amh
stringlengths
4
246
tig
stringlengths
3
240
አንዳንዶች፣ የፈለግነውን ውሳኔ ብናደርግ ምንም ለውጥ አያመጣም የሚል አመለካከት አላቸው።
ገሊኦም ሰባት እንገብሮ ምርጫታት ዘየገድስ ኰይኑ ይስምዖም እዩ።
ጳውሎስ እንደ ሥጋ ፈቃድ መኖር የሚያስከትለውን አደጋ ለቅቡዓን ክርስቲያኖች መጥቀስ ያስፈለገው ለምንድን ነው?
ጳውሎስ ንቕቡኣት ክርስትያናት ብስጋ ብዛዕባ ምንባር ስለምንታይ ከም ዘጠንቀቖም ትሓስብ ትህሉ ትኸውን።
የይሖዋ አገልጋዮች በመካከላቸው እውነተኛ ፍቅርና አንድነት መኖሩ የእውነተኛው ሃይማኖት ተከታዮች መሆናቸውን ያሳውቃል፤ ምክንያቱም ኢየሱስ እርስ በርሳችሁ ፍቅር ቢኖራችሁ ሰዎች ሁሉ ደቀ መዛሙርቴ እንደሆናችሁ በዚህ ያውቃሉ ብሏል።
ኣገልገልቲ የሆዋ ዘለዎም ናይ ሓቂ ፍቕርን ሓድነትን፡ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ከም ዘላቶም ዜረጋግጽ እዩ፣ ከመይሲ፡ የሱስ፡ ንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተ ኣልያትኩም፡ በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ ኢሉ እዩ።
ታላቅ የሚያደርገን የይሖዋ ትሕትና እንጂ የእኛ ችሎታ እንዳልሆነ ማስታወስ ይኖርብናል።
ዜዕብየና ትሕትና የሆዋ ደኣ እምበር፡ ክእለትና ኸም ዘይኰነ ኣይንረስዕ።
የመጀመሪያው ሰው የአዳም ልጆች በመሆናችን ሁላችንም ኃጢአትንና የኃጢአት ደሞዝ የሆነውን ሞትን ወርሰናል።
ደቂ እቲ ቐዳማይ ሰብኣይ ኣዳም ብምዃንና፡ ኵላትና ሓጢኣትን ሞትን ወሪስና ኢና።
የክርስቶስ ቤዛዊ መሥዋዕት፣ አምላክ ለእኛ ያለውን ፍቅር የገለጸበት ከሁሉ የላቀ ስጦታ ከመሆኑም ሌላ የይሖዋ ጸጋ የተትረፈረፈ መሆኑን በግልጽ ያሳያል።
መስዋእታዊ በጃ ክርስቶስ፡ ኣምላኽ ንዓና ዘለዎ ፍቕሪ ዝገለጸሉ ዝዓበየ መረጋገጺ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ሃብቲ ጸጋኡ ዜርኢ እዩ።
ታዲያ እነዚህን ክርስቲያኖች እንደምናደንቃቸው ልንገልጽላቸውና ልናበረታታቸው አይገባም?
እሞኸ ኽንንእዶምን ከነተባብዖምንዶ ኣይግብኣናን፧
ይልቁንም ሐዋርያው ጳውሎስ የነበረው ዓይነት አመለካከት ልናዳብር ይገባል፤ ጳውሎስ እንደ እሱ ቅቡዓን የሆኑትን የእምነት ባልንጀሮቹን ከዚህ በኋላ እንግዶችና ባዕዳን አይደላችሁም፤ ከዚህ ይልቅ የአምላክ ቤተሰብ አባላት ናችሁ በማለት አሳስቧቸዋል።
ከምቲ ሃዋርያ ጳውሎስ ዝነበሮ ኣረኣእያ ኺህልወና ኣለዎ፣ ንሱ ነቶም ከምኡ ቕቡኣት ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ኣባላት ቤተ ሰብ ኣምላኽ ኢኹም እምበር፡ ኣጋይሽን ጓኖትን ኣይኰንኩምን ኢሉ ምዒድዎም ነይሩ እዩ።
ከተጠሩት እንግዶች መካከል የኢየሱስ እናት ማርያም ትገኝበታለች።
ሓንቲ ኻብቶም ኣጋይሽ፡ ማርያም ኣደ የሱስ እያ ነይራ።
ከዚህ በግልጽ ማየት እንደሚቻለው ሥልጠና መስጠት ትልቅ ቦታ የሚሰጠው ጉዳይ አይደለም የሚለውን አስተሳሰብ ማስወገድ ይኖርብናል።
ስለዚ እምበኣር፡ ስልጠና ቐዳምነት ኪውሃቦ ኸም ዘይብሉ ጌርና ፈጺምና ኽንሓስብ የብልናን።
ነፃነታችንን የሥጋን ፍላጎት ለማርካት መጠቀም አንፈልግም፤ ከዚህ ይልቅ የምናደርጋቸው ምርጫዎች ሁሉንም ነገር ለአምላክ ክብር አድርጉ የሚለውን ምክር ተግባራዊ ለማድረግ የሚረዱን መሆን ይኖርባቸዋል።
ብናጽነትና ተጠቒምና ደድሕሪ ስጋዊ ትምኒት ኣብ ክንዲ እንስዕብ፡ ነቲ፡ ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ ዚብል ምዕዶ ኢና ኽንስዕብ እንደሊ።
ይህ ወንድም፣ የጉባኤ አገልጋይም ሆነ ሽማግሌ ለመሆን ጥረት በሚያደርግበት ጊዜ በጉባኤ ውስጥ ተጨማሪ ኃላፊነት ለመሸከም የሚያስፈልጉትን ብቃቶች ለማሟላት ተግቶ ይሠራል።
ኣብ ክልቲኡ መዳይ ድማ፡ ተወሳኺ ሓላፍነታት ጉባኤ ኺስከም ዜኽእሎ ብቕዓታት ኬጥሪ ብዙሕ ጻዕሪ ይገብር እዩ።
ከአምላክ እንዲህ ያለ ልዩ ጥሪ ያገኙ ግለሰቦች ይህን የሚያረጋግጥላቸው ሌላ ምሥክር አይፈልጉም።
እቶም ነዚ ፍሉይ ጽውዓ እዚ ኻብ ኣምላኽ ዚቕበሉ፡ ካብ ካልእ ምንጪ ዚምስክረሎም ኣየድልዮምን እዩ።
ሐዋርያው ዮሐንስም እንዲህ ሲል ጽፏል፦ የአምላክ ልጆችና የዲያብሎስ ልጆች በዚህ በግልጽ ይታወቃሉ፦ በጽድቅ ጎዳና የማይመላለስ ሁሉ የአምላክ ወገን አይደለም፤ ወንድሙን የማይወድም የአምላክ ወገን አይደለም።
ሃዋርያ ዮሃንስ እውን፡ ውሉዳት ኣምላኽን ውሉዳት ድያብሎስን በዚ እዮም ዚፍለጡ፦ ብጽድቂ ዘይመላለስ ካብ ኣምላኽ ኣይኰነን፣ ንሓዉ ዘየፍቅር እውን ከምኡ እዩ።
በምላሹም ጳውሎስ ግሩም ንግግር ሰጣቸው።
ጳውሎስ ከኣ ጽቡቕ መደረ ሃበ።
በተመሳሳይም የሰይጣን ዓለም መንፈስ እንዳይወስደን ጥረት ማድረግ ይኖርብናል።
ብተመሳሳሊ፡ በቲ ኣብ ናይ ሰይጣን ዓለም ዘሎ መንፈስ ምእንቲ ኸይንውሰድ፡ ጻዕሪ ኽንገብር የድልየና እዩ።
ቀልድ ጨዋታን ሊያጣፍጥ ቢችልም ሌሎችን በነገር በመውጋትና ስሜታቸውን የሚጎዳ ወይም እነሱን የሚያንቋሽሽ አሽሙር በመናገር ለማሳቅ ከመሞከር መቆጠብ አለብን።
ዋዛ ንዘረባና ቐመም ኪዀኖ ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ ንሰባት ብዚጐድእ ወይ ብዜዋርድ ሃሳዪ ሕጫጨ ጌርና ኸነስሕቕ ከይንፍትን ግና ክንጥንቀቕ ኣሎና።
ምክንያቱም አብዛኛውን ጊዜ፣ የፈራነውን ያህል መጥፎ ነገር ላይደርስ ይችላል።
መብዛሕትኡ ግዜ፡ ከምቲ ዝፈራህናዮ ኸየጋጥም ይኽእል እዩ።
በሰይጣን ዓለም ውስጥ በቃላት ተጠቅሞ ሌሎችን መጉዳት የተለመደ ነው።
ብቓላት ጌርካ ምቝሳል፡ ኣብዛ ዘለናያ ናይ ሰይጣን ዓለም ልሙድ እዩ።
የኢየሱስ ስብከት ዋና ጭብጥ የአምላክ መንግሥት ሲሆን ደቀ መዛሙርቱንም ስለ መንግሥቱም ሆነ ስለሚያመጣቸው በረከቶች እንዲጸልዩ አስተምሯቸዋል።
ፍረ ነገር እቲ የሱስ ዚምህሮ ዝነበረ ትምህርቲ፡ መንግስቲ ኣምላኽ እያ ነይራ፣ ንደቀ መዛሙርቱ እውን፡ ብዛዕባኣን እተምጽኦ በረኸትን ኪጽልዩ ምሂርዎም እዩ።
የምናነጋግራቸው ሰዎች መልእክቱን ለመቀበል ፈቃደኛ ባለመሆናቸው ተቆጥተው ቢጮኹብንም እንኳ ለባልንጀራችን ፍቅር እንዳለን እናሳያለን።
ሓደ ቝጡዕ ብዓል ቤት ዜዋርደናን ንመልእኽትና ዚነጽጎን እንተ ዀነ እውን፡ ንብጻይና ፍቕሪ ነርኢ ኢና።
ይህን ማድረግ የምትችሉበት አንዱ መንገድ ክንውኖቹን በዘመን ቅደም ተከተል ማስፈር ሊሆን ይችላል።
ሓደ መገዲ፡ ሰሌዳ ግዜ ምድላው እዩ።
ምሁራኑ እርግጠኛ ያልሆኑባቸው ጥቂት ጥቅሶች ቢኖሩም እነዚህ ጥቅሶች አጠቃላዩን የመጽሐፍ ቅዱስ መልእክት አይለውጡትም።
እቲ ብእተወሰነ ዜጠራጥር ሒደት ፍቕድታት እውን፡ ንሓፈሻዊ መልእኽቱ ዚጸሉ ኣይኰነን።
ከዚህ ይልቅ ይሖዋ ከሞት አስነስቶ በምድር ላይ ለዘላለም እንዲኖሩ ያደርጋቸዋል ማለት ነው።
የግዳስ፡ የሆዋ ኣብታ ገነት እትኸውን ምድሪ ኺነብሩ ኸም ዜተንስኦም ዚሕብር ጥራይ እዩ።
በምድር ላይ ለዘላለም መኖር አሰልቺ እንደሆነና ደስታ እንደማያስገኝ ተሰምቷቸው በድንገት ሐሳባቸውን ስለቀየሩም አይደለም፤ አሊያም በሰማይ መኖር ምን ሊመስል እንደሚችል ለማወቅ ስለፈለጉ አይደለም።
ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ዜድክም ወይ ዜሰልኪ ኸም ዝዀነ ገይሮም ብምርኣይ፡ በዛ ምድሪ እዚኣ ተስፋ ዝቘረጹ ኣይኰኑን፣ ኣብ ሰማይ ሓድሽ ነገር ኪርእዩ ስለ ዝደለዩ እውን ኣይኰኑን።
በመካከላቸው አስደናቂ አንድነት ያለ ሲሆን ምንጊዜም የሚሠሩት ፍጹም ስምም ሆነው ነው።
ዜደንቕ ሓድነት እዩ ነይርዎም፣ ወትሩ እውን ብስኒት እዮም ዚዓይዩ ነይሮም።
በመሆኑም በምናጠናበት ጊዜ ሌሎች ስለሚያስፈልጓቸው ነገሮች ብቻ ሳይሆን እኛ ራሳችን ስለሚያስፈልገን ነገር ማሰብ አለብን።
ነዚ ሸቶ እዚ ንምውቃዕ፡ መጽናዕቲ ኣብ እንገብረሉ እዋን፡ ኣብ መንጎ እቲ ንኻልኦት ዜድልዮም ነገራትን ንዓና ብመንፈሳዊ መዳይ ዜድልየና ነገራትን ሚዛንና ኽንሕሉ ኣሎና።
አምላካችን፣ ይሖዋ ብቻ ነው፤ በመሆኑም እሱን ብቻ ልናመልክ ይገባል።
ንየሆዋ ኸም ሓደን በይኑን ኣምላኽና ጌርና ንርእዮ እንተ ዄንና፡ ንዕኡ ንበይኑ ተወፋይነት ክንህቦ ይግባእ።
ከዚያም ስለ ነገ ፈጽሞ አትጨነቁ የሚለውን ጠቃሚ ምክር በድጋሚ በመናገር ሐሳቡን ደመደመ።
ነታ፡ ብዛዕባ ጽባሕ ኣይትጨነቑ እትብል ኣገዳሲት ምኽሪ ብምድጋም ድማ ዘረባኡ ዛዘመ።
ከዚህ ይልቅ ቅዱሳን መጻሕፍትን እንደ መጨረሻ ባለሥልጣን አድርጎ ይጠቅስ ነበር።
የግዳስ፡ ንቕዱሳት ጽሑፋት ዝለዓለ ስልጣን ከም ዘለዎ ገይሩ ይርእዮ ነበረ።
የምንኖረው የትም ይሁን የት እንዲሁም አስተዳደጋችን፣ ዜግነታችን ወይም ባሕላችን ምንም ይሁን ምን በአምላክ የጽድቅ መሥፈርቶች ለመመራት እንፈልጋለን።
እንነብረሉ ቦታ፡ ኣተዓባብያና፡ ዜግነትና፡ ወይ ባህልና ብዘየገድስ፡ ብስርዓታት ጽድቂ ኣምላኽ ክንምራሕ ኣሎና።
ከአምላክ መሥፈርቶች ጋር ተስማምተን ስንኖርና በስብከቱ ሥራ ስንካፈል የይሖዋን አስደናቂ ባሕርያት መረዳት እንችላለን።
ምስ ስርዓታት ኣምላኽ ተሰማሚዕና ኽንመላለስን ኣብ ዕዮ ስብከት ክንሳተፍን ከለና፡ ነቲ ባህ ዜብል ባህርያቱ ኽንርድኦ ንኽእል ኢና።
ይሖዋ የማያዳላ አምላክ እንደሆነና በዘር ልዩነት ምክንያት ለሚፈጠሩ ችግሮች ተጠያቂው ሰይጣን መሆኑን ስታውቅ ብሔራዊ ስሜትን ከውስጧ ለማጥፋት ትግል ማድረግ ጀመረች።
ኰይኑ ግና፡ የሆዋ ኸም ዘየዳሉን ዓሌታዊ ጸገማት ከም ዚልዓዓል ዚገብር ሰይጣን ምዃኑን ምስ ፈለጠት፡ ነቲ ዝነበራ ሃገራዊ ስምዒት ከተወግዶ ጸዓረት።
ከሁሉም በላይ ግን ምንጊዜም በስብከቱ ሥራ መጠመድ ይኖርብናል፤ ይህም ተስፋችን ይበልጥ ብሩህ እንዲሆንልን ያደርጋል።
ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ዕዮ ስብከት ነቲ ናይ መጻኢ ተስፋና ኸም ዜደልድሎ ፈሊጥና፡ ኣብቲ ዕዮ ትሑዛት ንኸውን ኢና።
ራሳቸውን የወሰኑ አንዳንድ ክርስቲያኖች እንዲህ ዓይነት ሁኔታ ደርሶባቸዋል፤ እንዲያውም አንዳንዶቹ ንስሐ ባለመግባታቸው ተወግደዋል።
ንገሊኦም ርእሶም ዝወፈዩ ክርስትያናት ከምኡ እዩ ኣጋጢምዎም፣ ገሊኣቶም ድማ ስለ ዘይተነስሑ ተወጊዶም እዮም።
ይህ ደግሞ በምናሳየው ምግባርና በምናቀርበው አምልኮ ላይም እንኳ ሊንጸባረቅ ይችላል።
ንኣካይዳናን ንኣምልኾናን ኣብ ዚምልከት ጕዳይ እኳ ወትሩ ሕደ ውሳነ ኣይንገብርን ኢና።
በቤዛው በማመን ራሳችንን ለይሖዋ ወስነን ስንጠመቅ ለቤዛው አድናቆት እንዳለን እናሳያለን።
ሓደ ኻብቲ ነቲ በጃ ዘሎና ሞሳ እነርእየሉ ኣገዳሲ መገዲ፡ በቲ በጃ ኣሚንና ርእስና ንየሆዋ ብምውፋይን ብምጥማቕን እዩ።
ከዚህም ሌላ መጽሐፍ ቅዱስን ማጥናታችሁ ለአምላክ በምታቀርቡት አገልግሎት ረገድ ማሻሻያ ማድረግ የምትችሉባቸውን መንገዶች እንድታስተውሉ ይረዳችኋል።
ብዘይካዚ፡ ንኣምላኽ ኣብ እተቕርብዎ ኣገልግሎት ምምሕያሻት ክትገብሩ እትኽእልሉ መገዲ ኸተስተብህሉ ኺሕግዘኩም እዩ።
የሚያስተምሩት የሰውን ሥርዓት ስለሆነ እኔን የሚያመልኩት በከንቱ ነው።
ትምህርቲ ትእዛዛት ሰብ ስለ ዚምህሩ፡ ንኸንቱ የምልኹኒ በለ።
በተጨማሪም ወላጆች ልጁ የጠየቀውን ነገር ሁሉ ካደረጉለት ግንኙነታቸው የጌታና የባሪያ ዓይነት ይሆንና ልጁ አዛዥ ሆኖ ቁጭ ይላል።
ብዘይካዚ፡ እቲ ውሉድ፡ ዝሓተቶ ዘበለ ብኡብኡ ዚውሃቦ እንተ ዀይኑ፡ ወላድን ውሉድን ምዃኖም ተሪፉ፡ ጐይታን ባርያን ይዀኑ፣ እቲ ውሉድ ድማ እዩ ጐይታ ዚኸውን።
ኢየሱስ የተናገረው አብዛኛው ነገር በቀጥታ ወይም በተዘዋዋሪ ከዕብራይስጥ ቅዱሳን መጻሕፍት ውስጥ የተወሰደ ነበር።
መብዛሕትኡ ኻብቲ እተዛረቦ ዘረባ፡ ብቐጥታ ኻብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ዝጠቐሶ ወይ ካብኡ ዝወሰዶ እዩ ነይሩ።
በቀድሞዋ ዩጎዝላቪያ ክልል ውስጥ የምትኖረውን ሚሪዬታን እንደ ምሳሌ እንውሰድ።
ካብ ዩጎዝላቭያ ነበር ዝመጸት ሚርየታ ዝስማ ሓብቲ እስከ ኸም ኣብነት ንውሰድ።
ይህ ጥቅስ የመጽሐፍ ቅዱስ ዋና ጭብጥ ምን እንደሆነ ይኸውም በአምላክ መንግሥት አማካኝነት የይሖዋ አገዛዝ ትክክለኛነት እንደሚረጋገጥና ስሙ እንደሚቀደስ ይጠቁመናል።
እታ ፍቕዲ እቲኣ፡ ቀንዲ ፍረ ነገር መጽሓፍ ቅዱስ ሒዛ ኣላ፣ እዚ ድማ ልዑላውነት ኣምላኽ ቅኑዕ ምዃኑ ኸም ዚረጋገጽን ብመንግስቲ ኣምላኽ ኣቢሉ ስሙ ኸም ዚቕደስን እዩ።
ከእውነት ቤት የወጡ ልጆች ስላሏቸው ታማኝ ወላጆችስ ምን ማለት ይቻላል?
ደቆም ካብ ሓቂ ዝረሓቑ እሙናት ወለዲኸ እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧
ያም ቢሆን ይሖዋ፣ እሱን ተቀባይነት ባለው መንገድ ማገልገላችንን እንድንቀጥል የሚያስፈልጉትን ለውጦች ለማድረግ ይረዳናል።
ኣብዚ ዅነታት እዚ እውን እንተ ዀነ፡ ወትሩ ብቕቡል መገዲ ምእንቲ ኸነገልግሎ፡ ኣድላዪ ለውጢ ኽንገብር ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።
ተስፋይቱን ምድር በሰለሉበት ወቅት በይሖዋ ላይ እምነት እንዳላቸው አሳይተዋል።
ነታ ምድሪ ተስፋ ኺስልይዋ ኸለዉ፡ ብየሆዋ ኸም ዚኣምኑ ኣርእዮም እዮም።
ቅዱሳን መጻሕፍት ስለ አለባበስና አጋጌጥ የያዙት ሐሳብ፣ የአጽናፈ ዓለሙ ሉዓላዊ ገዢ እውነተኛ አገልጋዮቹ በአለባበስ ረገድ የላቀ መሥፈርት እንዲከተሉ እንደሚፈልግ በግልጽ ያሳያል።
ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ ኣከዳድናን ኣመለኻኽዓን ዚብሎ ነገር፡ እቲ ልዑላዊ ጐይታ ዅሉ ፍጥረት ነቶም ናይ ሓቂ ኣምለኽቱ ብዛዕባ ኣከዳድና ጽቡቕ ስርዓት ኪህልዎም ከም ዚደልዮም ብዘየማትእ መገዲ ይሕብር እዩ።
የአምላክ ቃል፣ ከበድ ያለ ውሳኔ በምናደርግበት ጊዜ እንዳንቸኩል ያሳስበናል።
ቃል ኣምላኽ፡ ኣገዳሲ ውሳነ ምግባር ኣብ ዜድልየና ዅነታት ተሃዊኽና ኸይንውስን ይምዕደና እዩ።
ይሁንና ግባችን በጥናቱ ወቅት የተወሰኑ ገጾችን መሸፈን ወይም በስብሰባዎች ላይ የምንሰጠውን ሐሳብ መዘጋጀት ብቻ መሆን የለበትም።
ሸቶና ገሊኡ ገጻት ንምሽፋን ወይ ኣብ ኣኼባታት ንምስታፍ ዜድልየና ሓሳባት ንምድላው ጥራይ ኪኸውን የብሉን።
ከዚህ ይልቅ በአሥራዎቹ ዕድሜ ላይ የሚገኙ ልጆቻቸው፣ በዚህ ጊዜ የፈጠራ ችሎታቸው እንደሚዳብር፣ ከጓደኞቻቸው ጋር ጊዜ ለማሳለፍ እንደሚፈልጉ እንዲሁም ለነገሮች ጠንካራ ስሜት እንደሚኖራቸውና ስሜታቸውን መግለጽ እንደሚፈልጉ መገንዘብ ይኖርባቸዋል።
የግዳስ፡ ውዕዉዕ ስምዒትን ማሕበራዊ ርክባትን መሃዝነትን ዚምዕብለሉ ግዜ እዩ።
ሌሎች ሰዎች ምንም ያህል ተጽዕኖ ሊያደርጉብን ቢሞክሩም በመጽሐፍ ቅዱስ የሠለጠነውን ሕሊናችንን መከተል የእኛ ኃላፊነት ነው።
ይኹን እምበር፡ ካልኦት ዚገብሩልና ጸቕጢ ብዘየገድስ፡ ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝሰልጠነ ሕልናና ኽንስዕብ ሓላፍነት ኣሎና።
አንዳንድ ጊዜ ልጁ የሚፈልገው ነገር እሱንም ሆነ ከእሱ ጋር ግንኙነት ያላቸውን ሌሎች ሰዎች የሚጎዳ ሊሆን ይችላል።
ገሊኡ ድማ ነቲ ቘልዓ ዘይጠቕሞ ወይ ከኣ ንኻልኦት ዚጸሉ ኪኸውን ይኽእል እዩ።
በሌላ በኩል ደግሞ የእነሱ ታማኝነት ልጃቸው ወደ ይሖዋ እንዲመለስ እንደሚረዳው በመተማመን ምንጊዜም ለይሖዋ ታማኝ ለመሆን ከፍተኛ ጥረት ያደርጋሉ።
ምስናይዚ፡ ንየሆዋ እሙናት ኰይኖም ይቕጽሉ፡ እዚ ኣብነቶም እዚ ኸኣ ንደቆም ናብተን መጓሰ ኺምለሱ ኣብነት ከም ዚዀኖም ተስፋ ይገብሩ እዮም።
ከጊዜ በኋላም ስለዚህ ይሖዋን ፍሩ፤ በንጹሕ አቋምና በታማኝነትም አገልግሉት ብሏቸዋል።
ኣስዕብ ኣቢሉ እውን፡ እምበኣር፡ ንየሆዋ ፍርህዎ፡ ብንጽህናን ብተኣማንነትን ከኣ ኣገልግልዎ ኢልዎም እዩ።
ኢየሱስ ምድራዊ አገልግሎቱ የሚያበቃበት ጊዜ እንደሚመጣና ሥራውን ሌሎች እንደሚረከቡት ያውቅ ነበር።
የሱስ ምድራዊ ኣገልግሎቱ ኸም ዜብቅዕን ካልኦት ንዕዮኡ ኸም ዚቕጽልዎን ይፈልጥ ነይሩ እዩ።
ኢየሱስ ደስተኞችስ የአምላክን ቃል ሰምተው የሚጠብቁት ናቸው! በማለት ተናግሯል።
የሱስ፡ እቶም ቃል ኣምላኽ ዚሰምዑን ዚሕልዉን ሕጉሳት እዮም ኢሉ እዩ።
ብዙዎች ኃጢአት ምን እንደሆነ፣ በእኛ ላይ ምን ተጽዕኖ እንደሚያሳድር እንዲሁም ከኃጢአት ባርነት ነፃ ለመውጣት ምን ማድረግ እንዳለብን አያውቁም።
ሓጢኣት እንታይ ምዃኑ፡ ብኸመይ ከም ዚጸልወና፡ ካብ ባርነት ሓጢኣት ሓራ ኽንወጽእ ድማ እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና ኣይፈልጡን እዮም።
የመምረጥ ነፃነታችን ይሖዋን ምን ያህል እንደምንወደው የሚያሳዩ ውሳኔዎችን ለማድረግ ስለሚያስችለን ለዚህ ስጦታ ከፍተኛ አድናቆት አለን።
እዚ ውህበት እዚ ንየሆዋ ኽሳዕ ክንደይ ከም እነፍቅሮ ዜርኢ ውሳነታት ክንገብር ስለ ዜፍቅደልና፡ ኣኽቢርና ኢና እንርእዮ።
እንዲህ ብለው ያስቡ ይሆናል፦ ሌሎችን ማሠልጠን አስፈላጊ ቢሆንም ጊዜ ከማይሰጡ ሌሎች የጉባኤ ሥራዎች አንጻር ሲታይ ያን ያህል አጣዳፊ አይደለም።
ስልጠና ኣገዳሲ እኳ እንተ ዀነ፡ ከምቲ ኺጸንሕ ዘይክእል ካልእ ጕዳይ ጉባኤ ህጹጽ ኣይኰነን።
አምላክ ለጸሎታቸው የሚሰጠውን መልስ መመልከታቸው እምነታቸውን አጠናክሮታል።
ኣምላኽ ንጸሎቶም ኪምልሰሎም ከሎ፡ እምነቶም ደልዲላ እያ።
ብዙ የአምላክ አገልጋዮች ከዚህ በፊት ከነበሯቸው እንደ ማጨስ፣ ዕፅ መውሰድ ወይም የብልግና ምስሎችን መመልከት ካሉ መጥፎ ልማዶች መላቀቅ እንዲችሉ አምላክ እንደረዳቸው በግልጽ ማየት ችለዋል።
ብዙሓት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ካብ ከም ትምባኾ፡ ሓሽሽ፡ ወይ ስእለ ጽዩፍ ዝኣመሰለ ወልፍታት ሓራ ኺወጹ ኸለዉ፡ ኣምላኽ ከም ዝሓገዞም መርትዖ ርእዮም እዮም።
በአሥራዎቹ ዕድሜ ላይ የሚገኘው ልጃችሁ በየትኛው አቅጣጫ እርዳታ እንደሚያስፈልገው ለመረዳት የሚያስችል ማስተዋል እንዲሰጣችሁ ወደ ይሖዋ ጸልዩ።
መንእሰይ ውሉድካ ኣበይ ሓገዝ ከም ዜድልዮ ምእንቲ ኽትርዳእ፡ የሆዋ ልቦና ኺህበካ ጸሊ።
ሥርዓታማ፣ ንጹሕና ልከኛ አለባበስ ካለን ሰዎች ያከብሩናል፤ እንዲሁም ወደምናመልከው አምላክ ለመቅረብ ይነሳሳሉ።
ኣከዳድናና ጽፉፍን ጽሩይን ትሕትና ዜርእን ግቡእን ምስ ዚኸውን ኣኽብሮት ንረክብ ኢና፣ እዚ ኸኣ ንሰባት ናብ ኣምልኾኡ ይስሕቦም ይኸውን።
እንዴት?
ብኸመይ፧
ማንኛውም ፍጡር የሚያመልከው አካል መኖሩ አይቀርም።
ህያው ዘበለ ሰብ፡ ዜምልኾ ኣምላኽ ኣለዎ።
ሊመለክ የሚገባው ይሖዋ ብቻ ነው።
ኪምለኽ ዘለዎ የሆዋ ጥራይ እዩ።
በብዙ አገሮች የመጽሐፍ ቅዱስ ዋጋ ውድ ከመሆኑም በላይ በቀላሉ አይገኝም፤ ስለሆነም መጽሐፍ ቅዱስን ማግኘት በራሱ በረከት ነው።
ኣብ ሓያሎ ሃገራት፡ መጽሓፍ ቅዱስ ዋጋኡ ኣዝዩ ኽቡርን ብቐሊሉ ዘይርከብን ኰይኑ ኣሎ፣ ስለዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ምርካብ ንባዕሉ እኳ ዓብዪ በረኸት እዩ።
መርዘኛ ቃላት ተብለው ሊፈረጁ ከሚችሉት አነጋገሮች አንዱ ሽሙጥ ነው፤ ሽሙጥ ሌሎችን ለማቃለል ወይም ለመዝለፍ ተብሎ የሚሰነዘር ስሜትን የሚጎዳ አነጋገር ነው።
ሓደ ኣብነት ሕሱም ቃላት ከኣ ንኻልኦት ንምቍንጻብ ወይ ንምውቃስ ዚዝረብ ዘረባ ሽምጠጣ እዩ።
የስብከቱ ሥራ አምላክ የሰጣቸውን ተስፋዎችና ፍቅር የሚንጸባረቅባቸውን መሥፈርቶቹን እንድናስታውስ ስለሚረዳን እምነታችንን ያጠናክርልናል።
ስብከት ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ዘተስፈወና ተስፋታትን ብዛዕባ እቲ ኣብ ፍቕሪ እተመርኰሰ ስርዓታቱን ስለ ዜዘኻኽረና፡ ንእምነትና የድልድሎ እዩ።
ሰዎች ተገቢ ያልሆነ ነገር በሚፈጽሙብን ወይም በተሳሳተ መንገድ በሚረዱን ጊዜም ለይሖዋ ታማኝ መሆናችንን እንቀጥል።
ሰብ ብጌጋ ምስ ዚፈርደና ወይ ምስ ዚርድኣና፡ ወትሩ ንየሆዋ እሙናት ንኹን።
ለዚህ ስጦታ አድናቆት የነበረው ጳውሎስ የአምላክ ጸጋ ተገልጧልና፤ ጸጋው ለሁሉም ዓይነት ሰዎች መዳን ያስገኛል ብሏል።
ጳውሎስ ነዚ ሓቂ እዚ ተገንዚብዎን የማስወሉን ስለ ዝነበረ፡ እቲ ንዅሉ ዓይነት ሰብ ድሕነት ዜምጽእ ጸጋ ኣምላኽ ተገሊጹ ኣሎ በለ።
በልባችን ውስጥ የኩራት ስሜት ካለ ውሎ አድሮ በድርጊታችን መታየቱ አይቀርም።
ብዛዕባ ርእስና ብልብና ዚስምዓና ነገር፡ ውዒሉ ሓዲሩ ኣብ ዘረባናን ኣብ ግብርናን ይርአ እዩ።
መቼም ቢሆን ቃል ስትገባ ጉዳዩን አክብደህ ማየት ይኖርብሃል፤ ይህ ከሆነ ታዲያ ለይሖዋ አምላክ የምትገባውን ቃል እጅግ አክብደህ ልታየው አይገባም?—⁠፤
ዝዀነ ይኹን መብጽዓ ኣርዚንካ ኺርአ ይግባእ፣ ንየሆዋ ዚእቶ መብጽዓ ግዳ ኽሳዕ ክንደይ ብዝያዳ ኣርዚንካ ዘይርአ!—።
በተጨማሪም ኢዮስያስ ቅዱሳን መጻሕፍት ምን እንደሚሉ ማወቁ ልቡ እንዲነካና እርምጃ እንዲወስድ እንዳነሳሳው አስታውሱ።
ዮስያስ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ምንባቡ ንልቡ ኸም ዝተንከፎን ስጕምቲ ኺወስድ ከም ዝደረኾን እውን ዘክሩ።
ይህን ሁሉ ለማከናወን እንዲችል ሐሳቡ፣ ቋንቋውና ከሌሎች ጋር የሚግባባበት መንገድ ከሰው ልጆች በእጅጉ የላቀ ሊሆን ይገባል።
ከምኡ ንምግባር፡ ሓሳባቱን ቋንቋኡን ሓሳቡ ዜመሓላልፈሉ መገድን ካብ ናይ ሰባት ኣዝዩ ዚበልጽ ኪኸውን ኣለዎ።
አንድ የመጽሐፍ ቅዱስ ምሳሌ እንመልከት።
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ኣብነት እስከ ንርአ።
ጢሞቴዎስ እውነትን የራሱ አድርጓል።
ጢሞቴዎስ ንሓቂ ናቱ ገይርዋ ነይሩ እዩ።
ኢየሱስ ከደቀ መዛሙርቱ ጋር በተያያዘ እንዲህ አድርጓል።
የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኸምኡ እዩ ገይሩሎም።
እስከዚያው ድረስ ግን ሁላችንም የምናከናውነው በጣም አስፈላጊ ሥራ አለ፤ ይህም ምሥራቹን የመስበኩና ደቀ መዛሙርት የማድረጉ ሥራ ነው።
ሕጂ ግና፡ ኵላትና ኽንካፈለሉ እንኽእል ኣዝዩ ኣገዳሲ ዕዮ ኣሎ፣ እዚ ኸኣ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ምግባርን እዩ።
እኛም ጤናማ እና ጠንካራ ሆነን ታላቁን አምላካችንን ማገልገል እንደምንፈልግ ምንም ጥርጥር የለውም።
ንየሆዋ ኣምላኽና ንኸነገልግሎ ጽቡቕ ጥዕና ኽንረክብ ምብሃግን ብርቱዓት ክንከውንን ንደሊ ኢና።
እሱም ሆነ ሕዝቡ ይህን ታላቅ ሠራዊት ለመቋቋም የሚያስችል ኃይል እንደሌላቸው በመግለጽ ትሕትና የተሞላበት ጸሎት አቅርቧል፤ አክሎም ምን ማድረግ እንዳለብንም አናውቅም ሲል ተናግሯል።
ኣብ ቅድሚ እዚ ዚመጸና ዘሎ ብዙሕ ህዝቢ ሓይሊ የብልናን ኢሉ ብትሕትና ብምጽላይ፡ ንሱን ህዝቡን እንታይ ኪገብሩ ኸም ዘለዎም ከም ዘይፈልጡ ገለጸ።
አሁን ግን ሁላችንም የየራሳችን መጽሐፍ ቅዱስ አለን።
ሕጂ ግና ነፍሲ ወከፍና ነናትና መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎና።
አምላክ፣ በሚቆጣበት ጊዜም እንኳ ብዙ ሰዎች እንደሚያደርጉት ያልታሰበበት ውሳኔ አያደርግም።
ኣምላኽ ከምቲ ብዙሓት ሰባት ዚገብርዎ ብቕጽበታዊ ቝጥዓ ነዲሩ እንታይ ከም ዚገብር ኣይውስንን እዩ።
የበደልነው ሰው እንዳለ ከተገነዘብን የመጽሐፍ ቅዱስን መመሪያ በመከተል ወደ ግለሰቡ ሄደን እርቅ ለማውረድ ጥረት ማድረግ አለብን።
መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንሓደ ሰብ ከም ዘጕሃናዮ እንተ ኣስተውዒልና፡ ናብቲ ሰብ ኬድና ኽንዕረቕ ክንጽዕር ከም ዘሎና እዩ ዚነግረና።
ለምሳሌ የልጃችሁ እምነት እየተዳከመ እንደመጣ የሚጠቁሙ ነገሮች ምንድን ናቸው?
ንኣብነት፡ እምነት ውሉድካ ሰንከልከል ትብል ከም ዘላ እንታይ ኪሕብረካ ይኽእል፧
ጌታችን ሰው ከይሖዋ አፍ በሚወጣ ቃል ሁሉ እንጂ በምግብ ብቻ አይኖርም ብሏል።
ጐይታና የሱስ፡ ሰብ ካብ ኣፍ የሆዋ ብዚወጽእ ኵሉ ቓል እምበር፡ ብእንጌራ ጥራይ ኣይነብርን ኢሉ እዩ።
የሰይጣን ክፉ ሥርዓት ሊጠፋ በተቃረበበትና በጨለማ በተዋጠው በመጨረሻው ቀን ውስጥም እንኳ ይሖዋ ሕዝቡን እየባረከ ነው።
ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት እቲ እኩይ ስርዓት ሰይጣን እውን እንተ ዀነ፡ የሆዋ ንህዝቡ ይባርኾም እዩ።
ቅዱስ ለሆነው አምላካችን፣ ለመንፈሳዊ ወንድሞቻችንና እህቶቻችን እንዲሁም በክልላችን ላሉ ሰዎች ያለን አክብሮት ለምንሰብከው መልእክትም ሆነ ለይሖዋ ክብር የሚያመጣ አለባበስ እንዲኖረን ያነሳሳናል።
ነቲ ቕዱስ ኣምላኽናን ንመንፈሳውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣብ ክልና ንዘለዉ ሰባትን ካብ ዘሎና ኣኽብሮት ተላዒልና፡ ነቲ ሒዝናዮ ዘሎና መልእኽቲ ዜማዕርግ፡ ንየሆዋ ድማ ዜኽብር ክዳውንቲ ኽንክደን ኣሎና።
ኢዮስያስ በአምላክ ቃል በመመራት የጣዖት አምልኮን ለማጥፋት ከፍተኛ ዘመቻ አካሄደ፤ እንዲሁም የፋሲካን በዓል ከዚያ በፊት ታይቶ በማያውቅ መልኩ አከበረ።
ዮስያስ ብቓል ኣምላኽ ተመሪሑ፡ ኣምልኾ ጣኦት ንምጥፋእ ሓያል ወፈራ ኣካየደ፣ መዳርግቲ ዘይብሉ በዓል ፋስጋ ድማ ኣብዓለ።
አንዳንዶች ራስን በመወሰንና በመጠመቅ መካከል ያለው ልዩነት በግልጽ ላይገባቸው ይችላል።
ገሊኦም ኣብ መንጎ ወፈያን ጥምቀትን ዘሎ ፍልልይ የደናግሮም እዩ።
አንድ ክርስቲያን እንዲህ ካለው ጎጂ ልማድ መራቅ ይኖርበታል።
ሓደ ክርስትያን ካብዚ ሕማቕ ተግባር እዚ ኺርሕቕ ኣለዎ።
ውጤታማ የሚሆነው የአምላክ አገዛዝ ብቻ እንደሆነ በማያዳግም ሁኔታ ያረጋግጣል።
ከምኡ ምግባሩ፡ ኣገዛዝኣ ኣምላኽ ጥራይ ኪዕወት ከም ዚኽእል ዜረጋግጽ ነባሪ ምስክር ኣቕሪቡ እዩ።
ኢዮሳፍጥ ፈርቶ ስለነበር ይሖዋን ለመፈለግ ቆርጦ ተነሳ።
ፈሪሁ እኳ እንተ ነበረ፡ ንየሆዋ ኺደልዮ ቈረጸ።
ይሖዋ ለአገልጋዮቹ የተሻለው ነገር ምን እንደሆነ ያውቃል፤ በተጨማሪም ጋብቻን በተመለከተ ያለው አመለካከት ምንጊዜም አይለወጥም።
የሆዋ፡ ንኣገልገልቱ ዚጠቕሞም እንታይ ምዃኑ ይፈልጥ እዩ፣ እቲ ንሓዳር ብዚምልከት ዘለዎ ኣረኣእያ ድማ ሓድሽ ኣይኰነን።
በዛሬው ጊዜ ብዙ ሰዎች የመምረጥ ነፃነታቸውን አላግባብ ሲጠቀሙበት አልፎ ተርፎም ሌሎችን የሚጎዳ ነገር ሲያደርጉበት ይታያሉ።
ሎሚ፡ ብዙሓት ሰባት ንናይ ምምራጽ ናጽነቶም ብሕማቕ ይጥቀሙሉ፡ ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ንኻልኦት ይጐድኡሉ እዮም።
ወንዙ ይዞን እንዳይሄድ ከፈለግን ወደ ተቃራኒው አቅጣጫ ለመዋኘት ከፍተኛ ጥረት ማድረግ አለብን።
ብውሕጅ ተደፊእና ምእንቲ ኸይንኸይድ፡ ናብ ኣንጻሩ ኣንፈት ንምሕንባስ ክንጋደል የድልየና እዩ።
እንግዲያው ይሖዋ መሸከም የምንችለው ምን ያህል እንደሆነ በትክክል እንደሚያውቅ ለመተማመን የሚያበቃ ምክንያት አለን።
ስለዚ እምበኣር፡ የሆዋ ነቲ ነፍሲ ወከፍና ዘሎና ዓቕሚ ኸም ዚርድኦ ኽንተኣማመን ንኽእል ኢና።
እነዚህ ወንድሞች የወሰዱትን ቅዱስ ጽሑፋዊ አቋም በተመለከተ የኅዳር 1879 የጽዮን መጠበቂያ ግንብ የሚከተለውን ግልጽ ሐሳብ ይዞ ነበር፦ የክርስቶስ ሚስት የሆነች ንጽሕት ድንግል መሆኗን የምትናገር ሆኖም ከዓለም ከአውሬው ጋር አንድነት ያላትና የዓለምን ድጋፍ የምታገኝ ማንኛዋም ቤተ ክርስቲያን በቅዱሳን መጻሕፍት መሠረት አመንዝራ ቤተ ክርስቲያን ታላቂቱ ባቢሎን በመሆኗ ልናወግዛት ይገባል።
ኣብ ሕዳር 1879 ዝወጸት፡ ናይ ጽዮን ግምቢ ዘብዐኛ ነቲ ቕዱስ ጽሑፋዊ መትከሎም፡ ንክርስቶስ እተመርዓኹ ንጽህቲ ድንግል እየ እትብል፡ ግናኸ ምስ ዓለም ኣራዊት ሓድነት ዘለዋ፡ ንዓኣ እውን እትድግፍ ዘበለት ቤተ ክርስትያን፡ ብቛንቋ ቕዱሳት ጽሑፋት ኣመንዝራ ዝዀነት ቤተ ክርስትያን ኢልና ኢና እንዅንና ኢላ ብቐጥታ ገሊጻቶ ኣላ፣ እዚ ስያመ እዚ ኸኣ ንዓባይ ባቢሎን ዜመልክት እዩ።
ኢየሱስ ጴጥሮስንና ሌሎች ደቀ መዛሙርቱን ለመጥቀም ሲል ግልጽ ምክር ሰጥቷል፤ ለራስ መሳሳት ምን እንደሚያስከትል የተናገረ ከመሆኑም ሌላ የራስን ጥቅም የመሠዋት መንፈስ የሚያስገኘውን በረከት ጠቁሟል።
ንዕኡን ንኻልኦት ደቀ መዛሙርትን ንምሕጋዝ ከኣ፡ ንርእስኻ ናይ ምንሕሳይ መንፈስ ዘለዎ ሳዕቤናት ገሊጹ፡ ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ ዘለዎ በረኸት ድማ ሓቢሩ እዩ።
ሐዋርያው ዮሐንስ የሕይወት ውኃ ወንዝ እና ሕዝቦችን ለመፈወስ የሚያገለግሉ ቅጠሎች ያሏቸውን የሕይወት ዛፎች በራእይ ተመልክቶ ነበር።
ሃዋርያ ዮሃንስ፡ ፈለግ ማይ ህይወትን ፈውሲ ኣህዛብ ዚኸውን ኣቝጽልቲ ዘለወን ኣእዋም ህይወትን ብራእይ ርእዩ እዩ።