amh
stringlengths
4
246
tig
stringlengths
3
240
ምክንያታዊ ብሎም ለማዳመጥ ፈቃደኛ ከሆናችሁ ግለሰቡም እናንተ የምትናገሩትን ለማዳመጥ ሊነሳሳ ይችላል።
ሚዛናዊ እንተ ዄንካ፡ ዘረባኡ ድማ እንተ ሰሚዕካዮ፡ ንሱ እውን ኪሰምዓካ እዩ።
በሕይወትህ ውስጥ የይሖዋን ፈቃድ ከምንም ነገር በላይ እንደምታስቀድም በመግለጽ ለእሱ ቃል ትገባለህ።
ፍቓዱ ምግባር፡ ኣብ ህይወትካ ልዕሊ ዅሉ ኸም እትሰርዖ ንየሆዋ ተመባጺዕካሉ ማለት እዩ።
ምሥራቹን ስንሰብክ እምነታችንን በሚሸረሽሩ ሐሳቦች ላይ ሳይሆን አስፈላጊና ጠቃሚ በሆኑ መንፈሳዊ ጉዳዮች ላይ እናተኩራለን።
ንሰባት ክንሰብኽ ከለና፡ ንእምነትና ኣብ ዜዳኽም ነገር ዘይኰነስ፡ ኣብ ኣገዳስን ጠቓምን መንፈሳዊ ነገራት ኢና እነተኵር።
ስለ ልጆች ሥነ ልቦና የሚያጠኑ አንድ ባለሙያ፣ ወላጆች በአሥራዎቹ ዕድሜ ላይ የሚገኙ ልጆቻቸው እንዳበዱ ወይም ብስለት እንደጎደላቸው አድርገው ሊያስቡ እንደማይገባ ተናግረዋል።
ሓደ ኽኢላ መጽናዕቲ ምዕባለ ቘልዓ ኸም ዝገለጾ፡ ብጽሕና ወይ ጕርዝውና እዋን ጽላለ ወይ ዘይብስለት ኣይኰነን።
አሊያም ደግሞ የሌሎች አስተዋጽኦ ያለበት አንድ ሐሳብ ወይም ድርጊት የእኛ ብቻ እንደሆነ በሚያስመስል መልኩ ልናወራ እንችላለን።
ወይ ከኣ ካልኦት ንዘምጽእዎ ሓሳብ ወይ እጃሞም ንዘበርከቱሉ ዕዮ ንሕና ጥራይ ከም ዝገበርናዮ ጌርና ብምግላጽ ክንምስገነሉ ንፍትን ንኸውን።
ማሻሻያ ማድረግ እንደሚያስፈልጋችሁ ከተሰማችሁ ልክ እንደ ኢዮስያስ ለውጥ ለማድረግ የተቻላችሁን ጥረት አድርጉ።
እተመሓይሽዎ ነገራት እንተ ኣስተብሂልኩም ድማ፡ ከም ዮስያስ ስጕምቲ ውሰዱ።
እርግጥ ነው፣ በትዕግሥት መጠበቅ ቀላል አይደለም።
ምጽባይ ቀሊል ኣይኰነን።
ይህች ሴት በአንድ ዓመት ጊዜ ውስጥ ሕይወቷን ለይሖዋ ወስናለች።
ኣብ ውሽጢ ዓመት ድማ፡ ርእሳ ንየሆዋ ወፍያ እያ።
በየወሩ ሌሎችን ስለ አምላክ ቃል በማስተማር ይሖዋን ለማገልገል እንዲነሳሱ የመርዳት ግብ አለህ?
ኣብ ወወርሒ ንኻልኦት ቃል ኣምላኽ ክትምህሮምን ንኣምላኽ ምእንቲ ኼገልግሉ ልቦም ከተለዓዕልን ሸቶኻ ድዩ፧
አንተም በክልልህ ውስጥ እንዲህ ዓይነት ሁኔታ የሚያጋጥምህ ከሆነ ምሥራቹን ለመስበክ ለምን የተለያዩ ዘዴዎችን አትሞክርም?
ኣብ ከባቢኻ ኸምኡ ዜጋጥመካ እንተ ዀይኑ፡ ብስራት ንምስባኽ ስለምንታይ ካልእ መገድታት ዘይትጥቀም፧
የይሖዋ ቃል፣ ከምንም ነገር በላይ የአምላክን መንግሥት እንድናስቀድም ይመክረናል።
ቃል ኣምላኽ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ቐዳምነት ክንህባ እውን ይነግረና እዩ።
ማንም ቢሆን ችግር ፈጣሪ የሚል ስም እንዲሰጠው አይፈልግም።
መዕገርገሪ ተባሂሉ ኺጽዋዕ ዚደሊ ሓደ እኳ የልቦን።
ለአምላክ ጸጋ ያለን አድናቆት ምንዝርንና ስካርን ወይም የቆሮንቶስ ክርስቲያኖች ይፈጽሟቸው የነበሩ ሌሎች ኃጢአቶችን ከማስወገድ ያለፈ ነገር እንድናደርግ ይገፋፋናል።
ንጸጋ ኣምላኽ እነመስግነሉ እንተ ዄንና፡ ካብ ዝሙት፡ ስኽራን፡ ወይ ካብ ከም ናይ ሰብ ቈረንቶስ ዝኣመሰለ ሓጢኣት ካብ ምርሓቕ ንላዕሊ ኢና እንገብር።
ይሁንና ይሖዋን የሚያስደስትና ጥበብ የተንጸባረቀበት ውሳኔ ለማድረግ ይሖዋ ባስጻፈው በቃሉ ውስጥ የሚገኙትን ሕጎችና መሠረታዊ ሥርዓቶች መመርመር ብሎም ተግባራዊ ማድረግ ይኖርብናል።
ንየሆዋ ባህ ዜብሎ ጥበባዊ ውሳነታት ንምግባር ግና፡ ነቲ ኣብ ጽሑፍ ኣብ ዝሰፈረ ቓል የሆዋ ዚርከብ ሕግታትን ስርዓታትን ኣብ ግምት ኣእቲና ምስኡ ተሰማሚዕና ኽንመላለስ ኣሎና።
መጽሐፍ ቅዱስ የሰዎችን ሕይወት እንደሚለውጥ የሚያሳዩ ተሞክሮዎችን በማንበብ የአምላክ ቃል የያዘው ምክር ጠቃሚ መሆኑን በተመለከተ ያለህን እምነት ገንባ።
መጽሓፍ ቅዱስ ከመይ ገይሩ ህይወት ሰባት ከም ዜመሓይሽ ዜርኢ ኣብነታት ብምንባብ ከኣ፡ ግብራዊ ጥቕሚ ኸም ዘለዎ እምንቶ ኸተሕድር ትኽእል ኢኻ።
ወደ 3,000 ከሚጠጉ ዓመታት በፊት ነቢዩ ኤልያስ፣ ኤልሳዕ የተባለን አንድ ወጣት አገልጋዩ እንዲሆን ጠይቆት ነበር።
ዳርጋ 3,000 ዓመት ይገብር፡ ነብዪ ኤልያስ ነቲ መንእሰይ ዝነበረ ኤልሳእ ኣገልጋሊኡ ንኪኸውን ዓዲምዎ ነበረ።
በሥነ ምግባር ልቅ በሆነው በዚህ ዓለም ውስጥ ኃጢአት አስነዋሪ ነገር መሆኑ እየቀረ ነው፤ በመሆኑም ብዙዎች ለኃጢአታቸው ቤዛ እንደሚያስፈልጋቸው አይገነዘቡም።
ሎሚ፡ ሓያሎ ሰባት ሓጢኣት ምስ ፈጸሙ ዝበደሉ ዀይኑ ስለ ዘይስምዖም፡ ስለምንታይ በጅነት ከም ዜድልየና ኣይርድኦምን እዩ።
በአካባቢው ያለው ሁኔታ ምንም ይሁን ምን፣ የመንግሥት አዳራሾቻችን ንጹሕና ሥርዓታማ በመሆን ረገድ አርዓያ ሊሆኑ ይገባል፤ ምክንያቱም የይሖዋ ስም የሚጠራባቸው ከመሆኑም ሌላ የንጹሕ አምልኮ ማዕከል ናቸው።
ኣብቲ እንነብረሉ ኸባቢ ዘሎ ኣረኣእያ ዀነ ዅነታት ብዘየገድስ፡ እቲ እንጥቀመሉ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ስም የሆዋ ስለ ዚጸውርን ማእከል ንጹህ ኣምልኾ ስለ ዝዀነን፡ ብጽፈት ዝመጸ ኣብነታዊ ኪኸውን ኣለዎ።
ዳንኤልና ጓደኞቹም ንጹሕ አቋማቸውን ቢያላሉ ነፃ መሆን የሚችሉበት አጋጣሚ ነበራቸው።
ዳንኤልን ብጾቱን ኣብ ንጽህናኦም ብምልምላም ሓራ ኺወጹ ኣጋጣሚ ኸም ዝነበሮም ርዱእ እዩ።
ልክ እንደ ኖኅ፣ እኛም ይሖዋ በቅርቡ እርምጃ እንደሚወስድ በመተማመን ጠንካራ እምነት እንዳለን ልናሳይ ይገባል።
ከም ኖህ፡ ድልድልቲ እምነት ተድልየና እያ፣ ኣምላኽ ኣብ ቀረባ ግዜ ኢዱ ኸም ዜእቱ ድማ እምንቶ ኸነሕድር ኣሎና።
የዕድሜ መግፋት፣ የጤና እክል፣ የቤተሰብ ተቃውሞ፣ ብቸኝነት ወይም የሚወዱትን ሰው በሞት ማጣት ከሚያስከትለው ተፈታታኝ ሁኔታ ጋር እየታገሉ ያሉ ወንድሞቻችንንና እህቶቻችንን መርዳት እንችላለን።
ነቶም ምስ ሳዕቤናት እርጋንን ጥዕና ምስኣንን ተቓውሞ ስድራ ቤትን ጽምዋን ሞት ዜፍቅርዎ ሰብን ዚቃለሱ ዘለዉ ኽንሕግዞም ንኽእል ኢና።
ለራሳችንም ሆነ ላገኘናቸው መብቶች ከልክ ያለፈ ቦታ እንሰጥ ይሆናል።
ብዛዕባ ርእስና ወይ ብዛዕባ እቲ እተዋህበና ፍሉይ መሰላት ልዕል ኣቢልና ንሓስብ ንኸውን።
ይሖዋ አምላክ ሐሳቡንና ስሜቱን ለዚህ የበኩር ልጁ አካፍሎታል።
የሆዋ ኣምላኽ ሓሳባቱን ስምዒታቱን ነቲ በኹሪ ወዱ ገሊጹሉ እዩ።
ይሖዋ ከሁሉ የላቀ ነው፤ የሁሉም ነገር ፈጣሪ እንዲሁም ተወዳዳሪ የሌለው ጥበብና ኃይል ያለው አምላክ ነው።
የሆዋ ልዑልን ፈጣሪ ዅሉን ደረት ዘይብሉ ጥበብን ሓይልን ዘለዎ እዩ።
እኛም አንዳንድ ጊዜ፣ ያደረግነውን ውሳኔ መለስ ብለን ማጤናችን ጥሩ ይሆናል።
ብተመሳሳሊ፡ ሓድሓደ እዋን ንዝገበርናዮ ምርጫ ወይ ውሳነ ዳግም ክንሓስበሉ ኣገዳሲ ኪኸውን ይኽእል እዩ።
አምላክ የቀባው ንጉሥ ሳኦል፣ ልጁ ከዳዊት ጋር ጓደኝነት እንደመሠረተ ቢገነዘብም ይህን ያደረገው ለምን እንደሆነ አልገባውም ነበር።
እቲ ብኣምላኽ እተቐብአ ንጉስ ሳኦል ነቲ ወዱ ምስ ዳዊት ዝነበሮ ዕርክነት ይፈልጥ ነይሩ እዩ፣ ስለምንታይ ነቲ ዕርክነት ከም ዝመስረተ ግና ኣይተረድኦን።
ልጃችሁን ማመስገናችሁና ማበረታታታችሁ ልጁ የሚጠበቅበትን የማያሟላ ሰው እንዳልሆነ እንዲገነዘብ ከዚህ ይልቅ ይሖዋ ሊጠቀምበት የሚችል ብቁ ክርስቲያን እንደሆነ እንዲሰማው ያደርጋል።
ናእዳን ምትብባዕን ምሃብካ፡ ንውሉድካ ወትሩ ብቕዓት ዘየማልእ ዘይኰነስ፡ የሆዋ ኺጥቀመሉ ዚኽእል ብቑዕ ክርስትያን ምዃኑ ኺስምዖ እዩ።
በመንፈሳዊ እንቅስቃሴዎቻችን መጠመዳችን በራሳችን ችግሮች ላይ ከልክ በላይ እንዳናተኩር ይረዳናል፤ ይህ ደግሞ ጥበቃ ይሆነናል።
ኣብ መንፈሳዊ ንጥፈታትና ትሑዛት እንተ ዄንና፡ ብዛዕባ ጸገማትና እምብዛ ኣይንጭነቕን ኢና፣ እዚ ድማ ዕቝባ ይዀነና እዩ።
ወላጆች እንደ ኢየሱስ ልብ ማንበብ የማትችሉ ቢሆንም በአምላክ እርዳታ፣ በልጆቻችሁ ልብ ውስጥ ያለውን ነገር ማስተዋል ትችላላችሁ።
ከም የሱስ ልቢ ኸተንብብ ዘይትኽእል እኳ እንተ ዀንካ፡ ብሓገዝ ኣምላኽ ግና ብልቦና ኽትመላለስ ትኽእል ኢኻ።
ለአምላክ ጸጋ አድናቆት ካለን ከፆታ ብልግና ብቻ ሳይሆን ወራዳ ከሆኑ መዝናኛዎች በሙሉ እንርቃለን።
ጸጋ ኣምላኽ ምቕባል ኪብሃል ከሎ፡ ካብ ምንዝርና ምርሓቕ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብዕሉግ መዘናግዒ ንምርኣይ ምስ ዘሎና ትምኒት ምቅላስ እውን የጠቓልል።
በአምላክ ቃል ውስጥ የሰፈሩት መሠረታዊ ሥርዓቶች፣ ሰውነት ላይ የሚጣበቅና ገላን የሚያጋልጥ ወይም የፆታ ስሜት የሚያነሳሳ ልብስ ከመልበስ እንድንቆጠብ ይገፋፉናል።
እቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ እንረኽቦ መሰረታዊ ስርዓታት፡ ምስ ሰብነትና ዚጠብቕ፡ ንሰብነትና ዚቐልዕ፡ ወይ ጾታዊ ስምዒት ዜለዓዕል ክዳውንቲ ኸይንኽደን ይድርኸና እዩ።
እንዲያውም ሌሎችን በተለይ ደግሞ ወንድሞቻችንን እንድንወድ የተሰጠንን መመሪያ ስንታዘዝ ለአምላክ ያለን ፍቅር ፍጹም ይሆናል።
ነቲ ንኻልኦት፡ ብፍላይ ከኣ ንኣሕዋትና ኸነፍቅር እተዋህበና ትእዛዝ ምስ እንስዕብ ድማ፡ ፍቕሪ ኣምላኽ ኣባና ፍጽምቲ ትኸውን።
የአካል ክፍሎቻችንን የጽድቅ ባሪያዎች አድርገን ለማቅረብ እንድንችል፣ ከስካር በመራቅ ብቻ ከመወሰን ይልቅ ሞቅ እስኪለን ድረስ ከመጠጣትም እንቆጠባለን።
ኣካላትና ንጽድቂ ኸም ባሮት ጌርና ምቕራብ ኪብሃል ከሎ፡ ዘይምስካር ጥራይ ዘይኰነስ፡ ክሳዕ ጥቓ ስኽራን ዘይምስታይ እውን የጠቓልል።
እንደ ኢዮስያስ ሁሉ በዛሬው ጊዜ ያሉ ልጆችም ከትንሽነታቸው አንስቶ ይሖዋን መፈለግ አለባቸው።
መንእሰያት ከም ዮስያስ ካብ ንእስነቶም ኣትሒዞም ንየሆዋ ኺደልይዎ ኣለዎም።
በእርግጥም ለመንግሥቱ ከፍተኛ ትኩረት ሰጥቷል።
እወ፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ብዙሕ ይግደስ ነይሩ እዩ።
ይሖዋን እንዲያውቁ እንደምንፈልግ ግልጽ ነው፤ ሆኖም ትዕግሥተኛ መሆንና ነገሮችን ማመዛዘን ይኖርብናል።
ንየሆዋ ኺፈልጥዎ ንደልዮም ኢና፣ ግናኸ፡ ዕጉሳትን ኣስተውዓልትን ክንከውን ኣሎና።
አቤል ስለ አምላክ ዓላማ ያወቀው ነገር የተሻለ የወደፊት ሕይወት እንደሚመጣ ለማሰብ፣ እምነት ለማዳበርና አስተማማኝ ተስፋ እንዳለው ለማመን አስችሎታል።
ኣቤል ብዛዕባ ዕላማታት ኣምላኽ እኹል ፍልጠት ስለ ዝነበሮ፡ ዝሓሸ እዋን ከም ዚመጽእ ኣብ ኣእምሮኡ ኺስእልን እምነቱ ኼደልድልን ናይ ሓቂ ተስፋ ኺሕዝን ክኢሉ እዩ።
በፍጹም።
ኣይፋሉን።
ከምናደርገው ውሳኔ ጋር የተያያዙ ጉዳዮችን ወይም ሁኔታዎችን በሙሉ ጊዜ ወስደን በሚገባ መመርመራችን ጥሩ ውሳኔ እንድናደርግ ይረዳናል።
ብዛዕባ እቲ ውሳነ እንገብረሉ ነገራትን ንዕኡ ዚምልከት መርትዖታትን ግዜ ወሲድና ንምርምር እንተ ዄንና፡ ጽቡቕ ውሳነ ኽንገብር ንኽእል ኢና።
ይሁንና ከዚያ በኋላ በእያንዳንዱ የሕይወታቸው ክፍል የይሖዋን አመራር ሲመለከቱ እምነታቸው ይበልጥ እያደገ ሄዷል።
ይኹን እምበር፡ ኣብቲ ድሕሪኡ ዝነበረ ህይወቶም መምርሒ የሆዋ ይርእዩ ብምንባሮም፡ እምነቶም እናዓበየት ከይዳ እያ።
ሐዋርያው ዮሐንስ ቅቡዓን ክርስቲያኖችን እናንተ ግን ቅዱስ ከሆነው ከእሱ የመንፈስ ቅብዓት አግኝታችኋል፤ ደግሞም ሁላችሁም እውቀት አላችሁ ብሏቸዋል።
ሓደ ግዜ፡ ሃዋርያ ዮሃንስ ንቕቡኣት ክርስትያናት፡ ንስኻትኩም ድማ ካብቲ ቕዱስ፡ ቅብኣት ኣሎኩም፣ ኵላትኩም እውን ፍልጠት ኣሎኩም ኢልዎም እዩ።
ይሖዋ ቅቡዓኑን እየባረካቸው እንደሆነ ስለሚያውቁ በመንፈስ ከተቀቡት የአምላክ እስራኤል አባላት ጋር መተባበራቸው ያኮራቸዋል።
የሆዋ ንቕቡኣቱ ኸም ዝባረኾም ስለ ዚፈልጡ፡ ምስቶም ብመንፈስ እተቐብኡ ናይ ኣምላኽ እስራኤል ምሕባሮም የሐብኖም እዩ።
በዚህ ጊዜ፣ ኢዮሳፍጥ ምን እንዳደረገ ማስታወሳችን ጠቃሚ ነው፤ እሱም ሆነ የይሁዳ ሰዎች ጠላቶቻቸውን የመቋቋም አቅም እንደሌላቸው በሕዝቡ ፊት ባቀረበው ጸሎት ላይ ገልጿል።
ዮሳፋጥ ኣብቲ ብግህዶ ዝጸለዮ ጸሎት፡ ንሱን ህዝቡን ድኹማት ምዃኖም ተኣሚኑ እዩ።
ይሁን እንጂ ስለማታውቀው ሁኔታ እያሰብክ በጭንቀት ወይም በስጋት መዋጥ ምንም ፋይዳ የለውም።
ይኹን እምበር፡ ብዛዕባ ገና ዘየጋጠመ ነገራት ክትጭነቕ የብልካን።
ወንድሞቻችንም ሰላም የሚሰጠው አምላክ አገልጋዮች መሆናቸውን ማስታወሳችን ይህን ማድረግ ቀላል እንዲሆንልን አስተዋጽኦ ያበረክታል።
እቲ ሓው ወይ እታ ሓብቲ ነቲ ሰላም ዚህብ ኣምላኽ ከም ዜገልግሉ ምዝካርና ኸኣ፡ ነዚ የቕልለልና እዩ።
ያም ቢሆን ሰይጣን አንተን ጨምሮ የኢየሱስን ተከታዮች ለማጥመድ ጥረት ያደርጋል።
ይኹን እምበር፡ ሰይጣን ንዓኻ እውን ሓዊሱ፡ ንዅሎም ሰዓብቲ የሱስ ኣብ መጻወድያ ኼእትዎም ይፍትን እዩ።
በመሆኑም የመጽሐፍ ቅዱስ ተማሪዎቹ የሚከተለውን ሐቅ ለመገንዘብ ተገደዱ፦ የሐሰት ሃይማኖትን የሙጥኝ ለማለት ከመረጡ ሰዎች ጋር ተባብሮ መሥራት የማይቻል ነገር ነው።
ስለዚ፡ እቶም ተምሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ምስቶም ምስ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ለጊቦም ኪመላለሱ ዝቘረጹ ሕብረት ኪህልዎም ከም ዘይግባእ ተገንዘቡ።
ይህ አባባል ያስኬዳል?
እዝስ ቅኑዕ ኣረኣእያ ድዩ፧
በተጨማሪም ከክርስቲያናዊ ስብሰባዎችና ከሌሎች መንፈሳዊ ዝግጅቶች ጥቅም ለማግኘት አቅማችን የፈቀደውን ሁሉ እናድርግ።
ካብ ክርስትያናዊ ኣኼባታትን ካብ ካልእ መንፈሳዊ መሰናድዎታትን ንምጥቃም ድማ ዚከኣለና ዘበለ ኽንገብር ኣሎና።
እሱም ሆነ ሣራ በስተርጅናቸው ልጅ መውለድ እንዲችሉ ይሖዋ እንደረዳቸው ያውቃል።
ንዕኡን ንሳራን ብግዜ እርጋኖም ከም ዚወልዱ ዝገበሮም የሆዋ ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ።
ስለዚህ የተሰጠንን አመራር መከተል ከባድ በሚሆንብን ጊዜ በትሕትና መንፈስ ተባባሪ መሆናችን ለጉባኤው አንድነት የሚያበረክተውን አስተዋጽኦ ማሰብ ይኖርብናል።
ስለዚ፡ ሓድሓደ ግዜ ንዚውሃበና መምርሒ ምስዓቡ እንተ ኸቢዱና፡ ብትሕትና ምትሕብባርና ንሓድነት እታ ጉባኤ ብኸመይ ኣበርክቶ ኸም ዚገብር ከነስተንትን ኣሎና።
ቦዔዝ የተጠቀመበት አገላለጽ፣ ጥላ ከለላ ለማግኘት በወላጆቿ ክንፎች ሥር የምትሸሸግን ጫጩት እንድናስብ ያደርገን ይሆናል።
እዚ ኣበሃህላ እዚ፡ ሓደ ንስሪ ንጫቚቱ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፉ ኼዕቍባ ኸሎ የዘኻኽረና ይኸውን።
የቤተሰብ ራሶች ችግር በሚያጋጥማቸው ጊዜ ይሖዋ አስፈላጊውን መመሪያና ሁኔታውን ለመቋቋም የሚያስችል ብርታት እንዲሰጣቸው በመለመን የኢዮሳፍጥን ምሳሌ መከተል ይችላሉ።
እቶም ንስድራ ቤቶም ብመንፈሳዊ መዳይ ዚመርሑ ዘበሉ እውን ንዜጋጥሞም ጸገማት ምእንቲ ኺዋጽእሉ የሆዋ መምርሒ ኺህቦምን ኬበርትዖምን ብምጽላይ ንዮሳፋጥ ኪመስልዎ ይኽእሉ እዮም።
ይህ ማስጠንቀቂያ ዛሬም ቢሆን ይሠራል።
እቲ መጠንቀቕታ እቲ ሎሚ እውን ብማዕረ የድሊ እዩ።
አቢሳ ወደ ሳኦል የጦር ሰፈር በገባበት ወቅት ታማኝነት ያሳየው ለተገቢው አካል አልነበረም።
ኣቢሻይ ናብ ሰፈር ሳኦል ኪኣቱ ኸሎ፡ ቀዳምነት ኪውሃቦ ዘለዎ ተኣማንነት ብንጹር ኣይሰርዐን ነይሩ።
ይሖዋም ቢሆን ልካችንን አውቀን ከእሱ ጋር እንድንሄድ ግብዣ አቅርቦልናል።
ምስ ኣምላኽና ብትሕትና ኽንመላለስ እውን ተዓዲምና ኢና።
እውነትን ማግኘታችን አስደስቶናል፤ እውነትን ለሌሎች ማካፈላችንም ደስታ ያስገኝልናል።
ሓቂ ምቕባልና ሓጐስ ኣምጺኡሉና እዩ፣ ሓቂ ንኻልኦት ክንነግሮም ከለና እውን ሓጐስ የምጽኣልና እዩ።
ሐዋርያው ጳውሎስ፣ ሌሎች ውሳኔ እንዲያደርጉልን መፍቀድ ያለውን አደጋ በተመለከተ በገላትያ ለነበሩት ክርስቲያኖች ግልጽ የሆነ ማሳሰቢያ ሰጥቷቸዋል።
ሃዋርያ ጳውሎስ ንሰብ ገላትያ፡ ኣብ ብሕታዊ ጕዳያቶም ካልኦት ኪውስኑሎም ምፍቃዶም ብዛዕባ ዘለዎ ሓደጋ ኣጠንቂቕዎም እዩ።
ኢየሱስ አገልግሎቱን ከጀመረበት ጊዜ አንስቶ በቅዱሳን መጻሕፍት ይመራ ነበር።
የሱስ ምድራዊ ኣገልግሎቱ ኻብ ዝጀመረሉ ግዜ ኣትሒዙ፡ ብቕዱሳት ጽሑፋት ኪምራሕ ፍቓደኛ እዩ ነይሩ።
ከፊቱ ለሚጠብቀው ደስታ ሲል፣ የሚደርስበትን ውርደት ከምንም ሳይቆጥር በመከራ እንጨት ላይ እስከ መሞት ድረስ ጸንቷል፤ እንዲሁም በአምላክ ዙፋን ቀኝ ተቀምጧል ይላል።
ኣብ ፡ ንሱ ሕፍረት ንዒቑ፡ ስለቲ ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ ኢሉ ጕንዲ ስቅያት ተጻዊሩ፡ ኣብ የማን ዝፋን ኣምላኽ ከኣ ተቐሚጡ እዩ በለ።
ባልንጀራችንን የምንወድ ከሆነ በሰማያት ላለው አባታችን ልጆች መሆን እንደምንፈልግ እናሳያለን።
ንብጾትና ብምፍቃር፡ ውሉዳት እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦና ኽንከውን ከም እንደሊ ነርኢ ኢና።
ልካችንን አውቀን ከአምላክ ጋር መሄዳችን ራሳችንን ከሚገባው በላይ ከፍ አድርገን ወይም በጣም ዝቅ አድርገን እንዳንመለከት ይረዳናል።
ስለዚ፡ ምስ ኣምላኽ ብትሕትና ኽንመላለስ ምምራጽና፡ ብዛዕባ ርእስና ኣዕዚዝና ወይ እምብዛ ኣትሒትና ኸይንሓስብ ይሕግዘና እዩ።
በሞት አንቀላፍተው የነበሩት ታማኝ ቅቡዓን በሙሉ፣ የአምላክ መንግሥት በ1914 ከተወለደ ብዙም ሳይቆይ ከሞት ተነስተው መንፈሳዊ ሕይወት ተቀብለዋል፤ እነዚህ ቅቡዓን ከኢየሱስ ጋር ሆነው በሰው ልጆች ላይ ይገዛሉ።
መንግስቲ ኣምላኽ ብ1914 ምስ ተወልደት ነዊሕ ከይጸንሐ ኸኣ፡ ኵሎም እቶም ተኣማንነቶም ሓልዮም ሞይቶም ዝነበሩ ቕቡኣት ክርስትያናት፡ ምስ የሱስ ኰይኖም ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰብ ምእንቲ ኺገዝኡ መንፈሳዊ ህይወት ሒዞም ተንሲኦም እዮም።
በቆሮንቶስ ጉባኤ፣ ለተወሰነ ጊዜ ያህል ከአባቱ ሚስት ጋር የሚኖር ወንድም እንደነበረም እናስታውስ።
ሓደ ኣብ ቈረንቶስ ዝነበረ ሓው ንእተወሰነ ግዜ ሰበይቲ ኣቦኡ ኣእትዩ ይነብር ምንባሩ እውን ንፈልጥ ኢና።
እኛ ክርስቲያኖች መንፈሳዊነታችንን መጠበቅ ያስፈልገናል።
መንፈሳውነትና ኽንሕሉ ኣሎና።
ኢዮሳፍጥ፣ ሕዝቡን ወደ እውነተኛው አምልኮ ለመመለስ ወደ ኤፍሬም ክልል እንደሄደ ሁሉ እኛም ከጉባኤ የራቁትን ለመርዳት ጥረት ማድረግ እንችላለን።
ከምቲ ዮሳፋጥ ናብ ክሊ ኤፍሬም ከይዱ ነቶም ህዝቢ ናብ የሆዋ ኺመልሶም ዝጸዓረ፡ ነቶም ዘይንጡፋት ንምሕጋዝ ክንጽዕር ንኽእል ኢና።
ቅዱሳን መጻሕፍትን ስንመረምር መንፈስ ቅዱስ የተሰጣቸው በርካታ የእምነት ሰዎችን እናገኛለን፤ ያም ሆኖ እነዚህ ሰዎች በሰማይ የመኖር ተስፋ አልነበራቸውም።
ኣብ ብምሉኡ ቕዱሳት ጽሑፋት፡ ብመንፈስ ቅዱስ እተደረኹ ሓያሎ ኣብነታት ሰብ እምነት ንረክብ ኢና፣ ኰይኑ ግና፡ ኣብ ሰማይ ናይ ምንባር ተስፋ ኣይነበሮምን።
ክርስቲያኖች በጦርነት ጊዜ ብቻ ሳይሆን መቼም ቢሆን ታማኝ የመሆናቸውና የገለልተኝነት አቋማቸውን የመጠበቃቸው ጉዳይ ያሳስባቸዋል።
ናይ ሓቂ ክርስትያናት ተኣማንነትን ገለልትነትን ዜርእዩ፡ ኵሉ ሳዕ ደኣ እምበር፡ ኣብ ግዜ ውግእ ጥራይ ኣይኰነን።
መጽሐፍ ቅዱስ አብርሃም ምን አስቦ እንደነበር ለማወቅ ይረዳናል።
እንታይ ማለቱ ምንባሩ መጽሓፍ ቅዱስ ይሕብረና እዩ።
በመላው ሕይወቱ ይሖዋን እንዲያገለግል የረዳው፣ እምነትና ፍቅር ያለው መሆኑ ነው።
ስለዚ፡ እምነትን ፍቕርን ኣብ ምሉእ ህይወቱ ንየሆዋ ንኼገልግሎ ሓጊዘናኦ እየን።
አምላክ፣ አበቦችን እንደሚያለብስ ከገለጸ በኋላ እንዲህ አለ፦ እናንተ እምነት የጎደላችሁ፣ እናንተንማ እንዴት አብልጦ አያለብሳችሁም?
በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ኣምላኽ ንዕምባባ መሮር ብኸመይ ከም ዚኸድኖ ኣስዕብ ኣቢሉ ገለጸ፣ ኣቱም ጐደሎ ዝእምነቶም፡ ንዓኻትኩምዶ ግዳ ኣብሊጹ ኣይከድነኩምን፧
ይሁንና እውነትን የተወው በጣም የምንቀርበው ሰው ቢሆንም እንኳ ከማንም በላይ ታማኝ መሆን ያለብን ለይሖዋ እንደሆነ ማስታወስ ይኖርብናል።
ምናዳ እንቐርቦ ሰብ ካብ ሓቂ እንተ ወጺኡ፡ ብቐዳምነት ንየሆዋ እሙናት ክንከውን ከም ዚግብኣና ኽንርስዕ የብልናን።
እኛም በዓለም ላይ ባሉ ውዝግቦች ረገድ ሳናስበው ከአንዱ ወገን እንቆም እንዲሁም በቀላሉ ውዝግቡ ውስጥ እንገባ ይሆናል።
ብቐሊሉ ኣብ ጕዳያት ዓለም ክንውግንን ኣብቲ ግጭት ክንኣቱን ንኽእል ኢና።
ለአገልግሎት፣ ለስብሰባዎች ወይም ንግግር ለማቅረብ ስንዘጋጅ ትምህርቱን እኛ ራሳችን እንዴት ተግባራዊ እንደምናደርገው ላናስብ እንችላለን።
ንኣገልግሎት፡ ንኣኼባታት፡ ወይ ንመደረ ኣብ እንዳለወሉ እዋን እነንብቦ ነገራት፡ ብብሕቲ ኸይዓየናሉ ኽንተርፍ ንኽእል ኢና።
አንተ ደግሞ አመሻሹ ላይ ወይም ከመተኛትህ በፊት ታሰላስል ይሆናል።
ኣጋ ምሸት ወይ ቅድሚ ምድቃስካ እውን ከምኡ ኽትገብር ትኽእል ኢኻ።
አምላክ ኢዮሳፍጥን እንደረዳው ሁሉ አንተንም ይረዳሃል።
ኣምላኽ ንዮሳፋጥ ካብ ሓገዞ፡ ንዓኻ እውን ኪሕግዘካ እዩ።
የክርስቲያን ጉባኤ አባል እንደመሆናችን መጠን ይህን ግብዣ በተሳካ ሁኔታ ማከናወን የምንችለው እንዴት ነው?
ኣባላት ክርስትያናዊት ጉባኤ ኸም ምዃንና መጠን፡ ነዚ ጻውዒት እዚ ኣብ ምብጻሕ ብኸመይ ኣሳልጦ ኽንረክብ ንኽእል፧
ያም ቢሆን ጳውሎስ በተማርካቸውና አምነህ በተቀበልካቸው ነገሮች ጸንተህ ኑር በማለት አሳስቦት ነበር።
ይኹን እምበር፡ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ፡ በቲ እተመሃርካዮን ዝኣመንካሉን ጽናዕ ኢሉ ተማሕጺንዎ እዩ።
መልካሙ አመላችን እንዳይበላሽ ከፈለግን መጥፎ ድርጊት የሚፈጽሙ ሰዎች የቅርብ ጓደኞቻችን ሊሆኑ አይገባም።
ነቲ ጽቡቕ ልማድና ምእንቲ ኸይነበላሽዎ፡ ምስቶም ሕማቕ ነገራት ዚገብሩ ሰባት ክንቀራረብ የብልናን።
ኢየሱስ፣ ሰይጣን ያቀረበለትን እያንዳንዱን ፈተና ከአምላክ ቃል ውስጥ ተስማሚ ጥቅስ በመጥቀስ ወዲያውኑ ተቃውሟል።
የሱስ ካብ ቃል ኣምላኽ ብምጥቃስ ንነፍሲ ወከፍ ካብ ድያብሎስ ዝመጸ ፈተና ብኡብኡ ነጸጎ።
አመስጋኝነታችንን ለይሖዋ ለመግለጽ መጽሐፍ ቅዱስን በቤተሰብ ሆነን በየዕለቱ እናነባለን።
ንየሆዋ ዘሎና ምስጋና ንምግላጽ፡ መዓልቲ መዓልቲ ብስድራ ቤት መጽሓፍ ቅዱስ ነንብብ ኣለና።
ሐዋርያው ስለ ቲቶ ለቆሮንቶስ ጉባኤ ሲጽፍ ደግሞ ለእናንተ ጥቅም አብሮኝ የሚሠራ ባልደረባዬ በማለት ለእሱ ያለውን አድናቆት ገልጿል።
ንጉባኤ ቈረንቶስ ብዛዕባ ቲቶስ ኪገልጸላ ኸሎ ከኣ፡ ንሱ ብጻየይን ንጥቕምኹም መዓይይተይን እዩ ብምባል ንኢድዎ ኣሎ።
ይሖዋ ክፋትንና ክፉ አድራጊዎችን ካጠፋ በኋላ፣ የእሱ አገዛዝ በፍቅር ላይ የተመሠረተ ስለመሆኑ ጥያቄ የሚያነሳ አካል ቢኖር አምላክ ይህ ጥያቄ መልስ እንዲያገኝ ጊዜ መስጠት አያስፈልገውም።
የሆዋ ንእከይን ንገበርቲ እከይን ምስ ኣጥፍአ፡ ነቲ ፍቕራዊ ኣገዛዝኣ ኣምላኽ ዚብድህ እንተ ተላዒሉ፡ ኣምላኽ ኪዕገሶ ኣይከድልዮን እዩ።
አንዳንዶች ጠዋት እንዲሁም ማታ ከመተኛታቸው በፊት መጽሐፍ ቅዱስ ያነብባሉ።
ገሊኦም ድማ ንግሆን ቅድሚ ምድቃሶምን መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ ባህ ይብሎም እዩ።
ቀሳውስቱ ግን ይህን ማድረግ አልፈለጉም።
እቶም ኣቕሽሽቲ ግና ግዲ ኣይነበሮምን።
ጳውሎስ የሰውን አካል እንደ ምሳሌ በመጥቀስ የጉባኤው ራስ በሆነው በኢየሱስ ክርስቶስ አመራር ሥር አንድነት ሊኖረን እንደሚገባ በአጽንኦት ገልጿል።
ጳውሎስ ንሰብነት ከም ኣብነት ብምጥቃም፡ ኣብ ትሕቲ እቲ ርእሲ እታ ጉባኤ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ብሓድነት ክንሓብር ከም ዜድሊ ኣጕሊሑ ኣሎ።
ኢየሱስም ቢሆን ንጹሕ አቋሙን እንዲያጎድፍ ሰይጣን ባደረገበት ተጽዕኖ አልተሸነፈም።
የሱስ ከኣ ነቲ ሰይጣን ንንጽህናኡ ንምብልሻው ዚገብሮ ዝነበረ ጻዕሪ ይነጽጎ ነበረ።
ሙሴ፣ ለዕብራውያንም ሆነ ለመላው የሰው ዘር ርኅራኄ ያለውን አምላክ መውደዱ የሚያስገርም አይደለም።
ነቲ ንእብራውያንን ንዅሎም ደቂ ሰብን ዚርሕርሓሎም ዝነበረ ኣምላኽ ንኼፍቅሮ ኸም እተደረኸ ድማ ፍሉጥ እዩ።
አምላካችንም ይህን ተልእኮ ለመወጣት በሚረዳን መልካም ነገር ሁሉ አስታጥቆናል።
ኣምላኽና ድማ፡ ነዚ ዕዮ እዚ ምእንቲ ኽንፍጽሞ፡ ብሰናይ ዘበለ ኣዕጢቑና እዩ።
የምንጋብዛቸው ሰዎች አምላካችን ቅዱስ እንደሆነ መመልከት እንዲሁም በቅርቡ ምድርን በመለወጥ ከብክለት የጸዳች ገነት እንደሚያደርጋት መገንዘብ ይችላሉ።
እቶም ዕዱማት ድማ፡ ቅዱስ ኣምላኽ ከም እነምልኽን ድሕሪ ሓጺር እዋን ንምድሪ ኻብ ብከላ ናጻ ናብ ዝዀነት ገነት ከም ዚቕይራን ኪግንዘቡ እዮም።
ሌሎች ደግሞ በዝግመተ ለውጥ እንደሚያምኑ የሚናገሩት ይህ ጽንሰ ሐሳብ እውነት ባይሆን ኖሮ በትምህርት ቤት አንማረውም ነበር ብለው ስለሚያስቡ ነው።
ገሊኦም ድማ ትምህርቲ ፍልቀት ጭቡጥ ሓቂ እንተ ዘይከውን፡ ኣብ ስርዓተ ትምህርቲ ኣይምኣተወን ኢሎም እዮም ዚኣምኑ።
አካሄዱን እንኳ በራሱ አቃንቶ መምራት አይችልም የሚለው የመጽሐፍ ቅዱስ ሐሳብ ትክክል መሆኑን ታሪክ በበቂ ሁኔታ አረጋግጧል።
ዚመላለስ ሰብ እውን ስጕምቱ ኬቕንዕ ናቱ ኣይኰነን ዚብል ቃላት መጽሓፍ ቅዱስ ክሳዕ ክንደይ ሓቂ ምዃኑ ታሪኽ ኣረጋጊጹ እዩ።
ቃላት ሰዎችን የመጉዳት አሊያም የመፈወስ ኃይል አላቸው።
ቃላት ኪጐድእ ወይ ኬሕዊ ይኽእል እዩ።
የይሖዋ ሕዝቦች እንደመሆናችን መጠን ተገቢ አለባበስ ያለን መሆኑ ትልቅ ቦታ የሚሰጠው ነገር ሲሆን የምናመልከው አምላክም ቢሆን ይህን ጉዳይ ከፍ አድርጎ ይመለከተዋል።
ንሕና ህዝቢ የሆዋ ስለ ዝዀንና፡ ግቡእ ስርዓት ኣከዳድና ንዓና ኣገዳስነት ኣለዎ፣ ነቲ እነምልኾ ኣምላኽና እውን ኣገዳስነት ኣለዎ።
ይሁንና በአሥራዎቹ ዕድሜ ውስጥ በመሆናቸው ብዙ ተፈታታኝ ነገሮች እንደሚያጋጥሟቸው ተገንዝበን ነበር።
ኣስዕብ ኣቢላ፡ ግናኸ፡ ደቅና ገና መንእሰያት ብምንባሮም፡ ብዙሕ ብድሆታት ከም ዜጋጥሞም ንፈልጥ ኔርና ኢና ትብል።
ኢዮሳፍጥ ልክ እንደ አባቱ እንደ አሳ ሕዝቡ ይሖዋን እንዲፈልግ አበረታቷል።
ዮሳፋጥ ልክዕ ከም ኣቦኡ ኣሳ፡ ነቶም ህዝቢ ንየሆዋ ኺደልይዎ ኣተባብዖም።
ንጉሥ ዳዊት የሳኦል የልጅ ልጅ የሆነውን ሜፊቦስቴን በተመለከተ የተሳሳተ ወሬ ተነግሮት ነበር።
ንጉስ ዳዊት ብዛዕባ እቲ ወዲ ወዱ ንሳኦል ዝዀነ መፊቦሸት ግጉይ ሓበሬታ ተዋሂብዎ ነበረ።
ኢየሱስ ይህን የተናገረው ምንጊዜም ይቅር ለማለት ፈቃደኞች መሆን እንዳለብን ለማጉላት ነው፤ ሌሎችን ይቅር ማለት የሚቀናን ዓይነት ሰዎች መሆን አለብን።
የሱስ ከምኡ ኺብል ከሎ፡ ይቕረ ንምባል ወትሩ ፍቓደኛታት ክንከውን ከም ዘሎና እዩ ዚገልጽ ነይሩ።
እናንተም የአምላክን ቃል ማንበባችሁ ደስታችሁ እንዲጨምር፣ ከአምላክ ጋር ያላችሁ ወዳጅነት እንዲጠናከር እንዲሁም ሌሎች አምላክን እንዲፈልጉ ለመርዳት እንድትነሳሱ ሊያደርግ ይችላል።
ንስኻትኩም እውን ቃል ኣምላኽ ምስ እተንብቡ፡ ስጕምትታት ክትወስዱ ኺድርኸኩም ይኽእል እዩ፣ እቲ እትወስድዎ ስጕምትታት ድማ፡ ሓጐስ ኪውስኸልኩምን ምስ ኣምላኽ ንዘሎኩም ዕርክነት ኬደልድልን ካልኦት ንኣምላኽ ምእንቲ ኺደልይዎ ኽትሕግዝዎም ኬለዓዕለኩምን እዩ።